Niet blij met je aankoop? Geeft niet! Je kunt artikelen tot 30 dagen retourneren
Met een cadeaubon zit je altijd goed. De ontvanger kan de cadeaubon voor alles uit ons assortiment inwisselen.
Tot 30 dagen retourrecht
ምርምር መሰረት ምዕባለ እዩ ምባል፡ ሓደ ፍሉጥ ሓቂ ምድጋም ጥራይ እዩ። ኣብ'ዚ ዘሎናዮ መበል 21 ዘመን፡ ምዕባለ ሃገራትን ሕብረተሰባትን፡ ሰረት ኣንቢሩ ብዘማዕብሎ ሰራሪ ናይ ምርምር ዓቕምን ትካላትን፡ ብዘረጋግጾ ምልከት ስነፍልጠት፡ ብዘፍርዮ ቀጻሊ ፍልጠትን ተክኖሎጂን እዩ ዝልካዕ።
ናይ ስነፍልጠታዊ ምርምር ዓቕምን ብቕዓትን ትካላትን ከየማዕበለ ዝሰልጠነ ሕብረተሰብ ስለ ዘየለ ከኣ፡ ንሃገራት፡ ሕቶ ምርምርን ምፍራይ ፍልጠትን፡ ንልምዓተንን ውድቐተንን ዝውስን ናይ ሞትን ሕየትን ሕቶ ኮይኑ ኣሎ። ኣብ ኤርትራ ጕዳይ ምርምርን ምፍራይ ፍልጠትን መሰረታውነቱ እንግንዞቦን ዘይነወንዝፎን ውሳኒ ሕቶ ምዃኑ እምበኣር፡ ናይ ኣጋጣሚ ኣይኮነነ። ኤርትራን ህዝቢ ኤርትራን፡ ንነዊሕ እዋን፡ ኣብ ልዕሊኦም፡ ብኤውሮጳውያን ገዛእቲ ምርምር ዝካየደሎም ውድዓት እዮም ነይሮም። እቲ ንመግዛእታዊ ዕላማታቶምን ረብሓታቶምን ንኸገልግል በቶም ገዛእትን ተመራመርቶምን ዝተኻየደ ሓያለ ምርምራት ከኣ፡ ከም ኣብ መላእ ግዙእ ዓለም፡ ኣብ ኤርትራ፡ ስርዓቶም ንምርጋእን ሰብኣውን ባህርያውን ጸጋታት ንምምዝማዝን ኣገልጊልዎም። እቲ ሽዑ፡ ኣውራ ብኢጣልያውያን፡ ከምኡ'ውን ካልኦት ውሑዳት ኤውሮጳውያን ማእምራን፡ ኣመሓደርቲ ፡ ሚስዮናውያን፡ እንተላይ ወተሃደራዊ መኰንናት ዝተኻየደ፡ ንታሪኽ፡ ሕብረተሰብ፡ ባህሊ፡ ባህርያዊ ጸጋታት... ዝምልከት ዝተፈላለየ ብቕዓትን ደረጃታትን ዝነበሮ ምርምራት፡ ከም ዘይንጸል ኣካል ኤውሮጳዊ መግዛእቲ ክንዮ ሃጸያዊ ዕላማታቱ፡ ምስ ኵሉ ሕጽረታቱን ድሩትነቱን፡ ክሳብ ሎሚ ከም መወከሲ የገልግል ምህላዉ፡ ንነባሪ ኣገዳስነት ምርምር ኣጒሊሑ የረጋግጽ።
Hoi! Ik ben Libroamiko, je boekadviseur.
Hoe kan ik je helpen?